ምስላ
Ø ጎበዝያ ጠምይዎ እንትሞትስ አቦይዝጊ ሰሓቕ ሞቱ::
Ø ሕማቕ ስብአይስ ክዳን ሓማቱ ይሕሉ::
Ø ሕማቕ ስብአይ ሓንቲ ነዊቱ ሕማቕ ቐሺ ሓንቲ ዳዊቱ::
Ø ሰበይቲ ሰራቕስያ እንተምፂእዋ ትበልዕ እንተ ሞይቱ ትሰምዕ::
Ø ማይ ክይመፀ መንገዲ ማይ ፅረግ::
ትግሪኛ መፅሓፍቲ
Sun05202012
Last update01:54:18 PM GMT
ትግሪኛ መፅሓፍቲ
Last Updated on Thursday, 22 December 2011 06:51
በዓል ኣሸንዳ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና በብዓመቱ ካብ 1-15 ነሓሰ ዝፅወም ‘ፆመ ፍልሰታ’ /ማርያ/ዝብሃል ፆም ምስተጠቓለለ 16 ነሓሰ ብኣዋልድ ዝኽበር ዓመታዊ በዓል እዩ፡፡
መፃሕፍትን ሙሁራትን እምነት ኦርቶዶክስን ከም ዘረድእዎ 16 ነሓሰ ማርያም ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ኣብ እትኣርገሉ/እትኸደሉ/እዋን ዝረኣያ ኣዋልድ እየሩሳሌም ዘፍዛፎ ዘለዎ ፃዕዳ ቀምሽ ተኸዲነን ብዝለዓለ ታሕጓሰን ዕልልታን ገዛገዛ እናዞራ ብስራት እርገታ እናነገራ ዝቐነያሉ ዕለታት ተመሲሉ/ንምዝካር/ዝበዓል ዘሎን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፅእ ዘሎን ኮይኑ ሐዚ ሐዚ ካብ እምነታዊ በዓልነቱ ባህላዊ በዓልነቱ እናዛየደ ኣዋልድ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ብውሱን ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ብሓባር እናኽበርኦን እናተፃወታሉን ይርከባ፡፡
Last Updated on Tuesday, 19 July 2011 20:17
ማሕበርኩም ማሕበር ባህሊ ትግራይ ማእኽል ባህልን ውርስን ኮይና ትፅበይኩም አላ::

Last Updated on Monday, 16 January 2012 13:54